{"product_id":"9780578684246","title":"\"\u0026#4629;\u0026#4853;\u0026#4650; \u0026#4632;\u0026#4853;\u0026#4613;\u0026#4757;\u0026#4757; \u0026#4771;\u0026#4621;\u0026#4875;\u0026#4752;\u0026#4669;\u0026#4757;\" -\"Covenant between Medhn \u0026 Alganesh\": \u0026#4779;\u0026#4709; \u0026#4632;\u0026#4925;\u0026#4627;\u0026#4941; \"\u0026#4613;\u0026#4621;\u0026#4797; \u0026#4720;\u0026#4661;\u0026#4942;\u0026#4637;\u0026#4757; \u0026#4611;\u0026#47","description":"\u003cp\u003eኣብ ቀዳማይቲ መጽሓፍ፣ እቲ ኹሉ ስግንጢር ጠባይን፣ ባህርን፣ ህልኽን፣ ትርን ናይዞም ክልተ ተጻያት ተደማሚሩ፣ ናብ ገበን፣ ናብ ፍርዲ፣ ናብ ምብትታንን፣ ማእሰርትን ሓደጋን ኣብጺሑ። እቲ ሽግር ግን፣ በዚ ኣብ \"ህልኽ ተስፎምን ሃብቶምን\" ዝተኸሰተ ዘሕዝን ፍጻመታት ኣየብቀዐን። ንሱ እቲ ዝነኣሰ ሳዕቤኑ ኢዩ ነይሩ።\u003c\/p\u003e\u003cp\u003eኣብ \"ሕድሪ መድህንን ኣልጋነሽን፣\" እቲ ዝኸፍአን ዝገደደን ሳዕቤናቱ፣ ብዝርዝር ክኽሰትን ክቕላዕን ኢዩ። ካብቲ ዝሓለፈ ዝወልዕዎ ሓዊ ስለ ዘይተማህሩ ኸኣ፣ ኣብቲ ዝቕጽል ዛንታ፣ ካብ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ስንክልና፣ ናብ ማዕረ ሞትን፣ ቅትለትን፣ ዘይወጽእ ጓህን ሓዘንን ኢዮም ወዲቖም። ኣንስቶምን፣ ደቆምን፣ ስድራ ቤቶምን ከኣ ኢዮም፣ ቀንዲ ግዳያት ናይዚ ዕብዳን'ዚ ዝኾኑ።\u003c\/p\u003e\u003cp\u003e\"ሕድሪ መድህንን ኣልጋነሽን፣\"\u003c\/p\u003e \u003cul\u003e \u003cli\u003eዛንታ ተስፎምን፣ ቅንዕናኡን፣ ድኽመታቱን፣ ፈተናታቱን፣ ከምኡ ኸኣ ዛንታ ብድሆኡን ስቓዩን መወዳእታኡን ኢዩ።\u003c\/li\u003e \u003cli\u003eከምኡ ኸኣ፣ ዛንታ ነብሰ-ፍትወትን፣ በለጽን፣ ስስዐን፣ ዓመጽን፣ ጥልመትን ሃብቶምን ኣልማዝን'ውን ኢዩ።\u003c\/li\u003e \u003cli\u003eብተወሳኺ፣ ዛንታ ልቦናን፣ ፍቕርን፣ ሓልዮትን፣ ጽንዓትን፣ ተወፋይነትን መድህንን ኣልጋነሽን ከኣ ኢዩ።\u003c\/li\u003e \u003cli\u003eከምኡ ኸኣ፣ ዛንታ እቶም ምእንቲ ፍቕሪ ዝተሳቐዩን፣ ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፈሉን፣ ብሩኽን ክብረትን'ውን ኢዩ።\u003c\/li\u003e \u003cli\u003eብዓቢኡ ኸኣ፣ ዛንታ እቶም ኣብነት ፍትሕን፣ ልቦናን፣ ዕብየትን፣ ክብርታት ወለድናን ሕብረተሰብናን ዝኾኑ፣ ግራዝማች ሰልጠነን፣ ወሳኒ ተራኦምን፣ ሓልዮቶምን፣ ሓድጎምን ኢዩ።\u003c\/li\u003e \u003c\/ul\u003e \u003cp\u003e እምበኣር፣ እዞም ኣብዘን ናይ 30 ዓመታት ዛንታ ጉዕዞ ህይወት ዝትርኻ ክልተ መጽሓፍቲ፣ \"ህልኽ ተስፎምን ሃብቶምን፣\" ከምኡ ኸኣ፣ \"ሕድሪ መድህንን ኣልጋነሽን፣\" ዝተሃንጹ ገጸ ባህርያት፣ ነዚ'ዮም ከንጸባርቑን ከሰጋግሩን ዝህቅኑን ዝጽዕቱን።\u003c\/p\u003e","brand":"Tesfay Menghis Ghebremedhin","offers":[{"title":"Default Title","offer_id":48467111248113,"sku":"9780578684246","price":24.99,"currency_code":"USD","in_stock":true}],"thumbnail_url":"\/\/cdn.shopify.com\/s\/files\/1\/0674\/5433\/7265\/files\/9780578684246_p0.jpg?v=1785650067","url":"https:\/\/shop.barnesandnoble.com\/products\/9780578684246","provider":"Barnes \u0026 Noble","version":"1.0","type":"link"}