Skip to product information
1 of 1

Tesfay Menghis Ghebremedhin

"ሕድሪ መድህንን ኣልጋነሽን" -"Covenant between Medhn & Alganesh": ካብ መጽሓፍ "ህልኽ ተስፎምን ሃ&#47

"ሕድሪ መድህንን ኣልጋነሽን" -"Covenant between Medhn & Alganesh": ካብ መጽሓፍ "ህልኽ ተስፎምን ሃ&#47

Regular price $24.99 USD
Regular price Sale price $24.99 USD
Sale Sold out
Quantity

ኣብ ቀዳማይቲ መጽሓፍ፣ እቲ ኹሉ ስግንጢር ጠባይን፣ ባህርን፣ ህልኽን፣ ትርን ናይዞም ክልተ ተጻያት ተደማሚሩ፣ ናብ ገበን፣ ናብ ፍርዲ፣ ናብ ምብትታንን፣ ማእሰርትን ሓደጋን ኣብጺሑ። እቲ ሽግር ግን፣ በዚ ኣብ "ህልኽ ተስፎምን ሃብቶምን" ዝተኸሰተ ዘሕዝን ፍጻመታት ኣየብቀዐን። ንሱ እቲ ዝነኣሰ ሳዕቤኑ ኢዩ ነይሩ።

ኣብ "ሕድሪ መድህንን ኣልጋነሽን፣" እቲ ዝኸፍአን ዝገደደን ሳዕቤናቱ፣ ብዝርዝር ክኽሰትን ክቕላዕን ኢዩ። ካብቲ ዝሓለፈ ዝወልዕዎ ሓዊ ስለ ዘይተማህሩ ኸኣ፣ ኣብቲ ዝቕጽል ዛንታ፣ ካብ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ስንክልና፣ ናብ ማዕረ ሞትን፣ ቅትለትን፣ ዘይወጽእ ጓህን ሓዘንን ኢዮም ወዲቖም። ኣንስቶምን፣ ደቆምን፣ ስድራ ቤቶምን ከኣ ኢዮም፣ ቀንዲ ግዳያት ናይዚ ዕብዳን'ዚ ዝኾኑ።

"ሕድሪ መድህንን ኣልጋነሽን፣"

  • ዛንታ ተስፎምን፣ ቅንዕናኡን፣ ድኽመታቱን፣ ፈተናታቱን፣ ከምኡ ኸኣ ዛንታ ብድሆኡን ስቓዩን መወዳእታኡን ኢዩ።
  • ከምኡ ኸኣ፣ ዛንታ ነብሰ-ፍትወትን፣ በለጽን፣ ስስዐን፣ ዓመጽን፣ ጥልመትን ሃብቶምን ኣልማዝን'ውን ኢዩ።
  • ብተወሳኺ፣ ዛንታ ልቦናን፣ ፍቕርን፣ ሓልዮትን፣ ጽንዓትን፣ ተወፋይነትን መድህንን ኣልጋነሽን ከኣ ኢዩ።
  • ከምኡ ኸኣ፣ ዛንታ እቶም ምእንቲ ፍቕሪ ዝተሳቐዩን፣ ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፈሉን፣ ብሩኽን ክብረትን'ውን ኢዩ።
  • ብዓቢኡ ኸኣ፣ ዛንታ እቶም ኣብነት ፍትሕን፣ ልቦናን፣ ዕብየትን፣ ክብርታት ወለድናን ሕብረተሰብናን ዝኾኑ፣ ግራዝማች ሰልጠነን፣ ወሳኒ ተራኦምን፣ ሓልዮቶምን፣ ሓድጎምን ኢዩ።

እምበኣር፣ እዞም ኣብዘን ናይ 30 ዓመታት ዛንታ ጉዕዞ ህይወት ዝትርኻ ክልተ መጽሓፍቲ፣ "ህልኽ ተስፎምን ሃብቶምን፣" ከምኡ ኸኣ፣ "ሕድሪ መድህንን ኣልጋነሽን፣" ዝተሃንጹ ገጸ ባህርያት፣ ነዚ'ዮም ከንጸባርቑን ከሰጋግሩን ዝህቅኑን ዝጽዕቱን።

View full details